4 Eritrean hostages escape from captivity in Sinai. They were a - TopicsExpress



          

4 Eritrean hostages escape from captivity in Sinai. They were a group of 6. Whereabouts of one of them, 19 yrs of age Adhanom Andebrehan is not yet known, while another victim, Wegahta Mihretab, underage girl (15) has been recaptured by her abductors. assenna/ ኣብ ሲናይ ብበደዊን ጅሆ ተታሒዞም ክሳቐዩ ዝጸንሑ 4 ኤርትራውያን ድሒኖም። ኣብ ሲናይ፣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላራት ንክኸፍሉ ብበደዊን ከም ጅሆ ተታሒዞም፣ ክሳቐዩ ዝጸንሑ 4 ኤርትራውያን ካብቲ ተኣሲሮምሉ ዝጸንሑ ምስጢራዊ ምሕዩር ብምምላጥ ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ሸኽ መሓመድ ይርከቡ ኣለዉ። እቶም ካብ ዓመጽ በደዊን ዘምለጡ ግዳያት፣- 1. ሓበን ብርሃነ - 14 ዓመት 2. ባና መሓሪ - 18 ዓመት 3. ምስግና ብርሃነ - 25 ዓመት 4. ዓብደላ መሓመድ ሺፋ - 25 እዮም። እቶም ግዳያት ፈለማ ብ ለይቲ ኣብ ዘምለጡሉ ግዜ 6 ኳ እንተነበሩ፣ ሸኽ መሓመድ ነዞም ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ 4 ኤርትራውያን ረኺቡ ናብ ውሑስ ቦታ ክወስዶም ከሎ፣ ሓንቲ ወጋሕታ ምሕረታኣብ ዝተባህለት ጓል 15 ዓመት ትሕቲ ዕድመ በቶም ሓለውታ ከምዝተታሕዘት፣ ኣድሓኖም ዓንደብርሃን ዝተባህለ ካልእ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ ‘ውን ናብ እስራኤል ገጹ ምስ ሃደመ ሃለዋቱ ዛጊት ከምዘይተፈልጠ ዶር ኣልጋይነሽ ፍስሃ ንኣሰና ሓቢራ።
Posted on: Thu, 27 Jun 2013 10:22:50 +0000

Trending Topics



Recently Viewed Topics




© 2015