thank you Brhane Brehane-Meskel Araya for postin Thise. ስዩም - TopicsExpress



          

thank you Brhane Brehane-Meskel Araya for postin Thise. ስዩም ጸሃየ ብንእሽቶይ ኣብ ዓዲና መጺኡ ቢዶ ክቀድሕን ከሎ ኣብ እንዳ ስላሴ ዝበሃል ቦታ ይዝክሮ ካብ ዓይነይ ኣይፍለን።ኣቢይ ሓፍተይ ኣቶ ስዩም ኣቦኺ ጥራሕ ዘይኮነ ኣቦ ኩላትና ኢዩ።ኩሉ ግዜ ድማ እዩ ጅግና። ልቢ ዝትንክፍ ዘረባ ብዓቢይ ስዩም፡ ናብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ መሰል ደቂ ሰባት፡ 05 ሰነ 2013 ዓ.ም. ምሉእ ስመይ ዓቢይ ስዩም ይበሃል። ዕድመይ 14 ኢዩ። ከምኵሎም ኤርትራውያን ህጻናት ስም ስድራ-ቤተይ ዝጽዋዕ፡ ብስም ኣቦይ ኢዩ። ኣቦይ ስዩም ጸሃየ ይበሃል። ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኢትዮጵያ ከላ፡ ዳርጋ ምስ ኵሎም ኣባላት ስድራ-ቤቱ፡ ብፍቓዱ ስለ ናጽነት ኤርትራ ክቓለስ ወጺኡ። ንሱ ኣዳላዊ ፎቶግራፍን ፊልምን ኢዩ ኔሩ። ሃገረይ ሓራ ኣብ ዝወጻትሉ ከኣ፡ ኣብ ሓደ እዋን ሓላፊ ቴሌቪዥን ኔሩ። ካብ መስከረም 2001 ንነጀው ርእየዮ ኣይፈልጥን። ሽዑ ጓል ክልተ ዓመት ኔረ። ብትእዛዝ መንግስቲ ሃንደበት ምስቶም ስለ ለውጢ ዝተበገሱን ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ተኣሲሩ። ካብቶም ብዛዕባኡ ዘለውኒ ተዝክሮታት ሓደ፡ ኣብ ቪዲዮ ጥራይ ኢዩ። ንሱ ኣብቲ ፊልም ምሳይ ይጻወት ኔሩ። ህጻናት የፍቅር ኔሩ። ምንኣስ ሓፍተይ ቤሉላ፡ ንሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከላ ኢያ ተወሊዳ። ንሳ ብዛዕባ ኣቦይ ፍልጠት የብላን። ይኹንምበር ልክዕ ከማይ፡ ኣብ ገለ ስፍራ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ብህይወት ከምዘሎ ትፈልጥ ኢያ። ድሮ ዓሰርተ ክልተ ዓመታት ኮይኑ። ኣቦይ ኣብ ጎቦታት ኣብ ዝርከብ፡ ብፍሉይ ኣብ ዝሕሎ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ ኢራኢሮ ዝተባህለ ስፍራ ከም ዝተኣስረ ተነጊሩና። ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዘሎ ክፍልታት ኣዕርኽቱውን ተኣሲሮም ኣለዉ። ምስኣታቶም ክዘራረብ ግና ኣይፍቀደሉን ኢዩ። ጋዜጠኛታት፡ ኣባላት ሰራዊትን ፖለቲከኛታትን ኢዮም። ኵሎም ከምኣቦይ ስለ ናጽነት ሃገሮም ክብሉ፡ ህይወቶም ዝሃቡ ጀጋኑ ኢዮም። መን ክሳብ ሕጂ ብህይወት ከምዘሎን መን ከምዝሞተን ንጹር ሓበሬታ የብልናን። መንግስቲ ኤርትራ እቶም እሱራት ንምንታይ ከምእተኣሰሩን ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ከምዘለዉን ክሕብር ፍቓደኛ ኣይኮነን። ቅድሚ ካብ ሃገር ምውጻእና፡ ኣደይ ነዚ ሕቶ ስለ ዝሓተተት ኣሲሮማ ኔሮም። ኣደይ፡ ኣነን ሓፍተይን ንኤርትራ ገዲፍና ወጺእና። ሃገርና ስለ ዘይነፍቅር ኣይኮናን ወጺእና። እኳ ደኣ ህይወትና ክነድሕን ክንብል ኢና። ብዛዕባ መጻኢ ኵነታት ኣቦይ ከይፈራህና ብናጽነት እናተዛረብና ክንነብር ኢልናውን ኢና። ሎም መዓልቲ፡ ንዅሎም ወለዶም ዝተኣስርዎም ህጻናት ኤርትራ ወኪለ፡ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኢለ ይርከብ። ኵሎም ከማይ ብስም ኣቦኦም ዝጽውዑ ኢዮም። ኣብ ልዕሊ ኣቦታትናን ኣዴታትና እንታይ ከም ዝበጽሐ ክንፈልጥ ንደሊ ኢና። እቲ መንግስቲ ስለ ምንታይ እዚ ኵሉ ስቓይ ኣብ ልዕሌና ከምዘውረደ ክንፈልጥ ንደሊ ኢና። ኣነን ሓፍተይን ኣብ ፓሪስ ንዝርከብ ኣምባሳደር ኤርትራ ደብዳበ ክንህቦ ምስ ደለና፡ ፖሊስ ጸዊዑ። እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኣይንፈልጥን ኣሎና። ስለዚ ናባኹም ንጠርዕ ኣሎና። ንስኹም እንኮ ተስፋና ኢኹም። ኣብ ሕቡራት መንግስታትን ኣብ ዋና ከተማታት ሃገርኩምን ወከልቲ ኤርትራ ኣለዉ። መንግስቲ ኤርትራ በቲ ንስኻትኩም እትውክልዎ ዓለም ለኻዊ ትካልውን ፍሉጥ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ክንዲ እቶም ኵሎም ወለዶም ዝተኣስርዎም ህጻናት፡ ሓደ ነገር ይሓተኩም ኣሎኹ። ናብኦም ብምኻድ ነቲ ክምልስዎ ዘይደልዩ ሕቶ ሕተትዎም፡ “እሱራት ኣበይ ኣለዉ? እንታይ ጌርክሞም ኣሎኹም? ብምንታይ ምኽንያት ኸ? ሓራ ክወጹ ሕደግዎም? ናብ ስድራ--ቤቶም ምለስዎም።” ኣቦይ ናባይ ክምለስ ይደሊ ኣሎኹ። ቤሉላን ኣነን ስምና ክምለሰልና ንደሊ ኢና። በጃኹም ሓግዙና።
Posted on: Thu, 06 Jun 2013 17:49:50 +0000

Trending Topics



Recently Viewed Topics




© 2015