እዝኒ ኣንቲ እዝኒ ስራሕኪ - TopicsExpress



          

እዝኒ ኣንቲ እዝኒ ስራሕኪ ረሲዕኪ‘ለኺ መስለኒ ብደገ ዘዝሰማዕክዮ ምሕላፍ ዶ ‘ይኮነን ናትኪ ዕዮ ‘ታይ ድኣሞ ነቲ ብስራት ትነጽግዮ ነቲ ጠጥዕሙ ዜና ትዓግትዮ ክፉእ ወረ ክትሰምዒ ኣንቴናኺ ትግትሪ ናብቲ ሐሕማቑ ዜና ጢልጢል ተብሊ ኣብ በዓላትን ጣኦታትን በጺሕኪ ትኽፈቲ : ትትከሊ ኩር ኢልኪ ዋእ! እዝኒ እንታይ ድዩ ወሪዱኪ ትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ እናተባህለ ዝበሃል ዘሎ ንዓኺዶ ኣይኮነን? እናተባህለ የሱስ‘ዩ ‘ቲ መድሓኒ ከመይ ከመይ ድኣ ክንድዚ ትጸሚ እቲ ፈታሕ ሽግር እቲ መርሃዊ እቲ ጠበቓ እቲ ሓላዊ አረቲ ፈዋሲ እቲ መድሓኒ እቲ መጸናንዒ እቲ ዘናኒ እቲ ደጋፊ እቲ ረዳኢ እቲ ንጉስ እቲ ገዛኢ የሱስ‘ዩ እናሰማዕክስ ካን ጽምም ዕብስ እንታይ ዲኺ ኬንኪ እዝኒ? እስከ ንገርኒ ስምዒ በሊ ሕጂ እዝኒኮ ብኣኺ ዝኣተወ‘ዩ ንልቢ ዝረትዖ እሞ ሓደራኺ ነቲ ቃል ብስራት ኣሕልፍዮ እዚ ስራሕ‘ዚ ጥራሕ ፈጽሚ እምበር ብድሕሪኡስ ዋላ ጽመሚ።
Posted on: Tue, 03 Dec 2013 11:42:13 +0000

Trending Topics



Recently Viewed Topics




© 2015