ሰራሕቲ ሳንዱቕ ሬሳ ኣብ ኮሎምብያ፡ - TopicsExpress



          

ሰራሕቲ ሳንዱቕ ሬሳ ኣብ ኮሎምብያ፡ ኮሎምብያ ንኣኽላባትን ደማሙን ሳንዱቕ ሬሳ ይዳሎ ዝብል ኣርእስቲ ሞዛይክ ዝብል ፕሮግራም ኤረ ቲቪ ሕጂ ይመሓላለፍ ኣሎ። ሎም መዓልቲ ወርሒ ይገብር 370 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ህይወቶም ሓሊፉ። ሎም መዓልቲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኩለን ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ነቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ክዝክርዎም ኣውጁ። መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዋላሓንቲ ቃል ኣየመሓላለፈን። ኣብ ናይ ዜና ማዕኸኑ ዋላሓንቲ ቃል ኣይገለጸን። ከይረኣኽዎ እንተሓሊፉ ኣንባቢን ተዓዛቢን ክሕብረኒ ይሓትት። ሎሚ ብባህልናን ብሰብኣዊ ኣረኣእያን እቶም ወርሒ ይገብር ህይወቶም ዝሓለፉ ኤርትራውያን ክዝከሩ ይግባእ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቶም ህይወቶም ዝሓለፉ ኤርትራያን ኣብ ክንዲ ምዝካርን ንስድራቤቶም ኣብ ክንዲ ምጽንናዕን። ነዛ መዓልቲ ብጓይላን ብዜና ናይ ሳንዱቕ ንዝሞቱ ኣኽላባትን ደማሙን ኣብ ኮሎምብያ የሕልፎ ኣሎ። ዘስደምም እዩ።
Posted on: Sun, 03 Nov 2013 11:48:12 +0000

Trending Topics



Recently Viewed Topics




© 2015