Google Custom Search ጥጁእ ዉዲት ኢሳይያስን - TopicsExpress



          

Google Custom Search ጥጁእ ዉዲት ኢሳይያስን ጭፍርኡን፡ ብመራሕቲ ተቓወምቲ ዉድባት ኢትዮጵያ ይኽሻሕ Tuesday, 29 October 2013፣ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ይኹን ኮንፈደረሽን ከምእትሓብር ንምግባር ፕረዝደንት ኢሰያስ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ከም ቀዳማይ ኣጀንድኡ ሒዙ ክሰርሓሉ ከምዝጸንሐን ሕጂ`ዉን ይቕጽሎ ከምዘሎን ኣብርሃም ያየህ ዝተባህለ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ብግንቦት 7 ዝፍለጥ ኤርትራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ ዉድብ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ንዉድቡ ብምዉካል ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ካብ ቅድሚ 12 ዓመታት ዉድቡ ከካይድዎም ዝጸንሐ ምስጢራዉያን ርክባት ዕምቆት ብዘለዎ ኣገባብ ዝርዝራዊ ትንታነ ኣብ ኣዉራምባ ታምስ ዝተሰምየ መርበብ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ኣቃሊዑ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኤርትራ (ብፍላይ ኢሰያስን የማነ ማንኪን)፡ ንምእማኑ ክሳዕ ዘጸግሞ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ከምዝስቑርቆሩን፡ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ይኹን ኮንፈደረሽን ኤርትራ ክትሓበር ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዞም ብንጥፈት ከምዝሰርሑን፡ እንተኾነ ብሰሪ ዕንቕፋት መለስ ዜናዊ እዚ ሕልሚዚ ጋህዲ ክኸዉን ከምዘይከኣለን ኣረዲኡ። ንሱ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ዝነደፈትሉ እዋን፡ ኢሰያስ ዓንቀጽ 39(ብሄራት ክሳብ ምንጻል ዝኸይድ መሰልእ እትህብ ዓንቀጽ) ካብቲ ሕገ-መንግስቲ ክትለግስን፡ ክልላት ኣብ ክንዲ ቋንቋ ብጂኦግራፊያዊ ኣቐማምታ ተኸፋፊለን ክመሓደራን ተባሂሉ መኣረምታ እንተተጌሩሉ፡ እቲ ስርዓተ-ምሕደራ ንኤርትራዉን ዘየካትተሉ ምኽንያት ከምዘየለ ኢሰያስ ንመለስ ደጋጊሙ ሕቶ ኣቕሪብሉ። መለስ ግን ካብቲ ዝነበሮ ተሪር መርገጺ ሕድገት ክገብር ፍቓደኛ ኣይነበረን። ንሱ ኣስዒቡ `መለስ ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ብዘይ መሰል ምግንጻል ክዉን ክኸዉን ስለዘይክእል ሕድገት ክገብር ፍቓደኛ ብዘይምንባሩ፡ ምስ ኢሳይያስዉን ኣብ ዓቢ ዘይምቅዳዉ ዘእተዎም ቀንዲ ምኽንያት እዚ እዩ ኔሩ ክብል፡ ምስ ኣማኻሪ ፕረዝደንት ኢሰያስ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣብ ዋሽንግተን ካብ ዘካየዶ ምስጢራዊ ርክብ ክርዳእ ከምዝኸኣለ ቅሉዕ ጌሩ ኣሎ። ንሱ ኣስዒቡ። ካብቲ ዝገረመኒ ነገር፡ እቲ ንኤርትራ ዝመርሕ ኢሰያስ ዓባይ ኢትዮጵያ ክርኢ ክሓልም እንከሎ፡ እቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ መለስ ግን ዓባይ ትግራይ ክሪኢ ምሕላሙ ኢዩ። ይብል። ንሱ ኣብቲ ልዕሊ 30 ገጻት ዝሓዘ ገና`ዉን በብኽፋላት እንዳቐረበ ዝቕጽል ዘሎ ሰፊሕ ትንተና፡ ብኸመይን ኣበይን ምስ ኣየኖት ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ከምዝተራኸቡን፡ ኤምባሲታት ኤርትራን ነዚ ርክባት ኣብ ምምችቻእ ዝነበረን ንጡፍ ተራን ብዝርዝር ገሊጹ ኣሎ። ብፍላይ እኳ ይብል፡ የማነ ገብረኣብ(ማንኪ) ነዚ ዕማም ኣብ ምስልሳል ናብ ወጻኢ ሃገራት ብብዝሒ ብምምልላስ ምስ ሓያለ ካብ መራሕቲ ዉድባት ኢትዮጵያ ርክባት ከምዘካየደ ኣረዲኡ። እቲ ብኣብርሃም ያየህ ዝቐረበ ሰነድ፡ ነቲ ን12 ዓመታት መመላእታ ሓያለ ኤርትራዉያን ስለምንታይ ኢሰያስን ጭፍርኡን፡ ቍዋም ይኹን ባይቶ ዘይብላ ሃገር ብምፍጣር፡ ነዚ ኩሉ ዕንደራን ምሕረት ዘይብሉ ጭቖናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ የዉርዱ ኣለዉ ዝብል ሕቶን፡ ኣንፈት ኤርትራ ናበይ ገጹ ምኻኑን ብዘየወላዉል መንገዲ ምላሽ ረኺቡ ኣሎ ክብሉ ገለ ካብቶም ነቲ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ቀሪቡ ዘሎ ሰነድ ዘንበቡ ሰባት ርእይትኦም ገሊጾም ኣለዉ። ኣቐድም ኣቢሉ መለስ ምስ ወኪል ስለያ ኣመሪካ ፖዉል ሀንዘ ኣብ 1990 ዓ.ም ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠየቕ፡ ድሕሪ ዉድቀት ስርዓት ደርግ ዕጫ ኤርትራ እንታይ ከምዝኸዉን ኣብ ዝተሓተተሉ፡ ምስ ኢሰያስ ጽቡቕ ርክብዩ ዘለና ኣብ ናጽነት ኤርትራ ዘለዎ ስክፍታ ድማ ኩሉ ሳዕ ምስ ኣካፈለኒ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ እምበር ኢሰያስ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክትንጸል ኣይደልን ኢዩ። ክብል ከምዝተዛረበ ይዝከር። ብዘይካዚ ኣብ 1993 ኢሰያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ዑደት ኣብ ዝፍጽመሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኤርትራን ዋላኳ ኣብዚ እዋን ናጽነታ እንተኣወጀት፡ ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይዉሰድ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቑጠባን ፖለቲካን ንኽሓብራ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ድማ ንስለ ፖለቲካዊ ሃልኪ እንዛረቦ ዘለና ዘይኮናስ ኣሚና ብዕቱብነት`ዉን እንሰርሓሉ ዘለና ጉዳይ ኢዩ ክብል ብዕሊ ገሊጹ ኔሩ ኢዩ። እቲ ሽዑ ዝሃቦ መግለጺ ብቪድዮ ስለዝተሰነደ ኣብዚ ሊንክ ንምዉካስ ይከኣል። https://youtube/watch?v=rthKX-ymawE ዝኸበርኩም ኣንበብቲ እቲ ብኣብራሃም ያየህ ዝቐረበ ሰነድ ህልዉ ኩነታትና፡ ናበየናይ ኣንፈት ነምርሕ ከምዘለናን ብዕቱብ ንምርዳእ ዓቢ ኣበርክቶ ስለዘለዎ፡ ትርጉሙ በብኽፋል ከነቕርበልኩም ክንፍትን ኢና። Isayas Afworki interview in Addis Abeba 1993። Isayas Afworki i
Posted on: Wed, 19 Nov 2014 00:31:25 +0000

Trending Topics



Recently Viewed Topics




© 2015