ንጉሰ ውልቀ መላኺ’ዪ ኔሩ !! ንጉሰ - TopicsExpress



          

ንጉሰ ውልቀ መላኺ’ዪ ኔሩ !! ንጉሰ ወደቦይ እልፉ ኣብ መፋርቕ 1800 ዓም ዓስከር ራእሲ ወልደሚካኤል ኮይኑ የገልግለሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ራእሲ ወልደሚካኤል ሰለሙን ምዑት ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለየ ፈተነታት ምስ ኣስተብሃልሉ ጓሎም ሂቦም “ኪድ ዓደቦኻ ኣማሓድር” ብምባል’ዮም ሰራዊት ሂቦም ናብ ዓዲ ኣቦኡ ማዕዶ ሩባ ከባቢ ኳዕቲት ዝሰደድዎ። ኣብ ማዕዶ ሩባ ኣትዩ ዓዲ ኣቦታቱ ረጊጹ ብግፍዕን ጭኮናን ከማሓድር ምስ ጀመረ ከኣ ህዝቢ ኤህ ክብልን ከማርርን ጀሚሩ። ብቐደሙ ህዝቢ ኣከለጉዛይ ቆጽሊ ዘየውደቐሉ መራሒ ኣይቅበልን’ዩ ዝነበረ። መግዛእቲ ንጉሰ ዝመረሮ ህዝቢ ስልጣንካ ኣረክብ ክብል ልመናን ምሕጽንታን ሰዲዱ ሰማዒ ኣይረኸበን። ህዝቢ “ልቐቕ ዘይ መንበርካ ውረድ ዘይፈረስካ” እኳ እንተብሎ ንጉሰ ቅጭጭ ኣይበሎን። ሴፍኩም መዚዝኩም መዓልቲ ቆሪጽኩም ኣብ ጎልጎል ኣምሃራ ግጠሙኒ ስለዝበለ ከኣ ዓሳክሩ ሒዙ ኣብ ጎልግል ኣምሃራ ተዋጊኡ ግን ከኣ ተሳዒሩን ሞይቱን። ኣብዛ መበገሲ ጽሑፈይ ኮይና ዘላ ግጥሚ እምበ ኣር “ኣደ ንጉሰ ኣደና ኣይኹና ወደን ይመውት ንሰን የጣቕዓ” (ዋላ እኳ እታ ግጥሚ ‘ወደን ይመውት ንሰን ይቑነና’ እንተኾነት ኣብዛ ግጥሚ ግን የጣቕዓ’ያ ዘላ) ወዘተ ዝብል ዘይቅቡል ውክልናን መልእኽትን ስለዝረኣኹላ እየ ክእርም ተበጊሰ። ንጉሰ ውክልና ውልቀ መላኺ ደኣምበር ውልክና ከርተት ዝብልን ዝግፋዕን ዘሎ መንእሰይ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ኣደ ንጉሰ ምስ ደላዩ ፍትሒ ወጊነን። ወደን ዋላ ይሙት እምበር ዓደቦ ኤህ እንተኢሎሞ ግፍዒ እንተበዚሑ ደኣ ብምባል’የን ሞት ወደን ከም ቅቡል ወሲደንኦ። ኣቦ ንጉሰውን ከምኡ። ስለዚ ነዛ ነቐፌታ ካልእ ዓይነት ግጥሚ ደኣ ክድለየላ ኣለዎ እምበር ንጉሰ ውልቀመላኺ እምበር ከም ኣብ ሲናን ካልእን ከርተት ዝብል መንእሰይ ዝመሰል ኣይኮነን። ስድራ ንጉሰ ከኣ ደለይቲ ፍትሒን ኣንጻር ዓማጺ ዝቃለሱን እምበር መጣቓዕቲ ኣይነበሩን።
Posted on: Tue, 15 Jul 2014 02:01:15 +0000

Trending Topics



Recently Viewed Topics




© 2015