እዚኸ ሰሚዕክሞዶ ትፍልጡ??? ኣባ ኪሮስ - TopicsExpress



          

እዚኸ ሰሚዕክሞዶ ትፍልጡ??? ኣባ ኪሮስ እዮም ዝበሃሉ። ኣብ ገዳም ኣስቄጥስ ምስ መምህሮም ኣባ በብኑዳ ይነብሩ ከምዝነበሩ ይንገረሎም። ኣብቲ ገዳም ዝነበሩ ሰባት ብጻዕሪ እናተመገቡ እዞም ክልተ ኣባ በብኑዳን ኣባ ኪሮስን ብዮናኤል ዝተባህለ መልኣኽ ማና ካብ ሰማይ እናወረደሎም ይምገቡ ኔሮም ይብለና። መዓስ እንታይን ከምዝበልዑ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት ኣብቲ ገዳም ከም መላእኽቲዮም ዝረኣዩ ነሮም። በዚ ዝተቆጥዐ ሰይጣን ሓደ መዓልቲ ጋሻ ኮይኑ ናብ ገዛ ኣባ በብኑዳን ኣባ ኪሮስን መጽሞ ከሕድርዎ ለመነ ። ኣባ በብኑዳን ኣባ ኪሮስን ድማ ተቀቢሎም ንጋሻ ዝግባእ ገበርሉ። ካብቲ ዝምገብዎ ማና ሃብዎ። ሰይጣን ከኣ ከምዝበልዖ ተመሲሉ ኣቀመጦ። ንጽባሒቱ ሰይጣን ነቶም ኣብቲ ድብሪ ዝነበሩ መነኮሳትን ተመሃሮን ኣኪቡ ናይ ኣባ በብኑዳን ኣባ ኪሮስን ጉድ ርኣዩ ኢሉ ነቲ ሰማያዊ መና ኣርኣዮም። እግዚኣብሄር ድማ ቅዱስ መግቢ ንሰይጣን ብምሃቦም ተቆጢዑ እቲ ማና ኣቋረጾ። እቶም ኣብቲ ገዳም ዝነበሩ ህዝቢ ድማ ቁራስ እንጀራ ኸልኦም። በዚ ምኽንያት ድማ ምስጠመዩ ኣባ ኪሮስ ናብተን ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ዓድታት ክልምን ከደ። ብድሕሪኡ ኣንበሳ መጺኡ ንኣባ በብኑዳ ቆራጠሞ። ኣባ ኪሮስ ዝለመንዎ ሒዙ ምስተመልሰ መምህሩ ብክፉእ ሞት ሞይቱ ረኸቦ። ኣብ ምድሪ በጥ ብምባል "ንመምህረይ እንተዘይኣተንሲእካለይ ካብዚ ኣይትንስእን" በሉ። ኣብታ በጥ ዝበሉላ ቦታ ከይተንስኡ ድማ 40 ዓመት ጸለዩ። ከይበልዐ ከይሰተየ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሳዕሪ፡ ቆጽለ መጽሊ፡ ዓበይቲ ኣግራብን በቆሉ። ዝሞተ ከይመስለኩም ይጽሊዩ ዘሎ። ወይ ጉድ ዶ ኢልኩም?? ከየባተከ ምጽላይ ዝብልኹም ከምዚ እዩ። ኣምላኽ ከ ክሳዕ ከምዚ ይጽመሞምዶኸ???
Posted on: Sat, 10 Aug 2013 19:21:17 +0000

Trending Topics



Recently Viewed Topics




© 2015