============================================== ዓወት - TopicsExpress



          

============================================== ዓወት ኩሉ ግዜ ክቡር ዋጋ ዝጠልብ’ዩ፤ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ታሪክ ምስራሕ እንኮ መለለይኦም ክሳዕ ዝመስል ንክትኣምኖም ኣዝዮም ዝኸብዱ ማእለያ ዘየብሎም ሓያሎ ዘኾሪዑ ኣንፀባራቅቲ ታሪክ ኣመዝግቦምን እናመዝገቡን’ዮም።ኣብቲ ዝተመዝገበን ዝምዝገብ ዘሎን ኣንፀባራቂ ታርክ ነብሲ ወከፍ ስድራን ኣባል እታ ስድራን፣ነብፍ ኣኽራናትን ጎላጉልን ትግራይ ነናይ ባዕሎም እጃም ኣወፊዮም’ዮም፤እናወፈዩ’ውን ‘ዮም። ታሪክ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ልዕሊ እቲ ዝዝረበሉን ዝተፀሓፈሉን ንምእማኑ ዘዘፀግሙን ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም ዘይተፈፀመ መስደመም ዓለማዊ ክስተት’ዩ።መሬትን ኣክራናትን ዓዲና ብመስተንክራዊ ታሪክ ዝተመልኡን ገና ተደራራቢ ዓወት[ኣብ ብረታዊ ቃልሲን ልምዓትን ማለት’ዩ] እናመዝገቡ ዝቅፅሉ ቀወምቲ ሃፍተ ገነት ህዝቢ ትግራይ’ዮም። ስለዝኮነ ህዝቢ ትግራይ ክቡር ዋጋ(መቂሰልትን መስዋእትን) እናከፈለ ክብሪ ዓዱን ሓደራ ሰማእታቱን እናኽበረ ዝመፀን ዝቅፅልን ባዓል ታሪክ ህዝቢ’ዩ።እዚ ማለት ግን ገለ ውሕዳት ብኣፃብዕቲ ዝቁፀሩ ካብ ብሱል ጥረ ከምዝበሃል ኣንፃር እዚ ቅዱስን መስተንክራዊ ተግባር ዝተንቀሳቀሱ ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን፤ኣብ ዝኮነ ናይ ሕ/ሰብ ክፋል እኩይ ምግባር ዘለዎም ሰባት ከም ዘጋጥም ኩሉ ሕጂ’ውን ገለ ዘይተባረኹ ግናያት ምስ ፀላእቲና ማይን ፀባን ኮይኖም ፍሹል ተግባር ምፍፃሞም ኣይተረፈን፤እዚ ከኣ ከም ልሙድ ዝወሰድናዮን ካብ መስተንክራዊ ዓወት ምምዝጋብ ንፃት’ውን ከም ዘይዓግተና ሕልፉ ታሪክና ኣረጋጊፅዎ’ዩ። ገለ ጠላማት ነዚ ርትዓዊ ኩነት ብዘይምፍላጦም፤ብዘረባን ሓሶትን ያእይ ዓወት ክርከበለይሲ ኩናት ብላፕቶፕ ተከፍቱለይ፤ነዳይሲ ናይ ልቡ ይሓልም እንዲዩ ነገሩ ካብዚኣ ንዓቀብ ዘሕስብ ሕልና ኮነ ልቦና የብሎምን፤ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሸውየን ዕንክልልን ምእታዎም ከኣ ባህርያዊ ‘ዩ።ክሕደት ክሕደት ‘ዩ፤ህዝቢ ትግራይ ከኣ ጭዋ ህዝቢ ስለዝኮነ ይቅሬታ ባሃሊ እኳ እንተኮነ ቅሙ ዝርስዕ ግን ኣይኮነን። እንኳዕ ንድሮ ቅንያት ብሰላምን ብጥዕናን ኣብፀሓኩም። ዘለኣለማዊ ክብሪን ሞገስን ነቶም ዝኮነ ጉርዲ ዘይለግቦም ስውኣትና!
Posted on: Thu, 11 Dec 2014 06:56:26 +0000

Trending Topics



Recently Viewed Topics




© 2015