Press Release from Eritrean Youth Solidarity for Change- North - TopicsExpress



          

Press Release from Eritrean Youth Solidarity for Change- North America on the Occasion of 52nd Anniversary of the start the journey for independence of Eritrea. Happy Anniversary to all Eritreans and it should be a reminder to finish the unfinished business of to see the democratic and just Eritrea. ህዝቢ ኤርትራ ናይ ብሓቂ ነጻነቱ ከረጋግጽ እዩ 1 መስከረም 1961፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣዚያ ፍልይቲ፡ ታሪኻዊትን ክብርትን ዕለት እያ። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ 52 ዓመት፡ ልክዕ ከምዛ ሎሚ፡ ኣብ ጐቦ ኣዳል ንሓርነታዊ ቃልሲ ጥይት ዝተኰሰላ ዕለት ስለዝዀነ፡ ከምኡውን፡ ብቓልሱ መግዛእቲ ስዒሩ፡ ልዑላውነታ ዝሓለወት ነጻ ሃገር ከምዝውንን ዘረጋገጸላ ክብርቲ ዕለት እያ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻር መግዛእቲ ብረት ኣልዒሉ ክቃለስ ዘገደዶ ምኽንያት፡ ኤርትራ ከም ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበረት ሃገር ዝተዋህቦ ነጻነት ተነፊግዎ፡ ንሓያሎ ዓመታት ዘካየዶ ሰለማዊን ዲፕሎማስያዊን ቃልሲ ስለዘይቀንዐ እዩ። ኣብቲ እዋን፡ ብተንኰል ስርዓት እንግሊዝን ኢትዮጵያን፡ ከምኡውን ብኢፍትሓዊ ውሳኔ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፡ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ጊሂሶም ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከምትቑረን ስለዝተገበሩ እዩ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ዓድታት ባዲትታ ክባድማ፡ ሓርበኛታት ክህደኑን ተራእዩ። ካብ ማእከል ኢትዮጵያ ዝተላእኩ ነጨለባስ፡ “እምቢ ይለ ጥይት ኣጉርሶዉ” ኤርታዊ ከም ዝመወትን ዓዱ ገዲፉ ንስደት ከምዘምርሕን ኰይኑ። ሓርበኛት ዓብደልቃድር ከቢረ ክቕንጸል ከሎ፡ ንኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያም ንምቕታል ከኣ ብዙሕ ፈተነታት ተኻይዱ። ድሕሪ ናይ 30 ዓመት ከቢድን ጽንኩርን ቃልስ ኣካይዱ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታቱ ከፊሉ ነጻነቱ ጨቢጡ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚውን እንተዀነ፡ ድሕሪ 52 ዓመታት፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ብቕልጽሙ ክውን ዝገበሮ ሓርነት ብስርዓት ህግደፍ ተጨውዩ ይርከብ። ህዝቢን ሃገርን ከኣ ኣብ ኣፋፌት ጥፍኣት፡ ኣብ እዚዩ ተኣፋፊ ኩነታት ይርከብ ኣሎ። ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ ኣብ ጐኒ ህቢን ተቓለስቲ ሓይሊታትን ኰይኑ፡ ነዚ ኣብ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ሓደጋ ንምግጣም፡ ኣብ ዝዀነ ቦታ፡ ኩሉ ኣማራጺታት ቃልሲ ተጠቂሙ፡ ንስርዓት ህግደፍ ንምስዓር፡ ህዝብና ዳግም ናይ ብሓቂ ነጻነቱ ከጨብጥ፡ ቃልሱ ኣብ ምሕያል ይርከብ ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኩሉ ኵርናዕ ዓለም ትርከቡ ኣባላት እዚ ምንቅስቓስን፡ ከምኡውን ኩሉ ህዝቢ ኣብ ጐኒ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ክትስለፉ በዚ ኣጋጣሚ ጻውዒትና ነቕርብ። ዲሞክራሲ ብቃልሲ 1 መስከረም ብስራትን ዋሕስን መጻኢና ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ሰሜን ኣሜሪካ 1 መስከረም 2013።
Posted on: Mon, 02 Sep 2013 20:59:07 +0000

Trending Topics



Recently Viewed Topics




© 2015